ቀዳማይ ገጽ
ጴጥሮስ
ገብረመድኅን
Buchtitel

ቅዋምዶ ሰብ’ዩ መዋቲ? ገብረመድኅን ወራሲ

ኣብ ነዊሕ ተመኵሮኡን ዓሚቝ ትዕዝብቱን ተመርኲሱ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈን ዘሎን ታሪኻውን እዋናውን ፍጻሜታትን ጕዳያትን ሕዝብናን ሃገርናን፡ ብገላጽን ማራኽን ኣገባብ ሓተታኡ ዘቕርበላን ዘረዳኣላን፡ ኣብ ልዕሊ ተቓላሳይ ሕዝብና ብውልቀ-ምልካዊ ሥርዓት ብዛዕባ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ኣደራዕ ጭቆና ዝገልጸላን ዘስተንትነላን፡ ከም ወድ ሃገር ´እወ ይኣክል!´ ንምባል ቀለም ብርዑ ዘፍሰሰላ ሃገራዊትን እዋናዊትን መጽሓፍ እያ።

ካብ መጽሓፍ እተወስደ

  • እዛ ሎሚ እንርእያ ዘሎና ኤርትራ ብቕዋማዊ ሕጊ ዘይትመሓደር ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሰይያስን ናይ’ቶም ጕጅልኡን መሕለፍ ጊዜኦም መጻወቲት ገበጣ ኮይና’ያ ተሪፋ።
  • ሕልሙን ዕላምኡን ከኣ ዛጊት እናተጋህደ’ዩ መጺኡ። ኤርትራ ሕዝባ ዝዓበየ ይኹን ዝነኣሰ ከም ዘይነብራ ጌሩ፡ ከም ናይ 15 ክፍለ-ዘመን ናይ ባዕሉ ምልከ-ልዑላን (aristocracy) ሥርዓት ኣቝሙ፡ ንሱ ክሳብ ዘሎ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነብር ዝረዓደ ሕዝቢ ኤርትራ ክጭፍልቖን ክረግጾን እሞ፡ እኩይ ሥርዓቱ’ውን ናብ ውላዱ ክመሓላለፍ ብቐትሪ ዝሓልም ዘሎ’ዩ። እንተደኣ ጥዒምዎ’ውን ኤርትራ ጥራሕ ንበይና ስለ ዘይተዕግቦ፡ ምስ’ቶም ንናጽነት ኤርትራ ንዝኣምን ፈደራላዊ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ዓልዮም ኣብ ሥልጣን ክድይቡ ሒዅ ዝብሉ ናይ’ቲ ዝኣረገ ሥርዓት ወተሃደራዊ ደርጊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጕጅለታት ብምትሕብባር ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ንጉሠ-ነገሥት ንኽኸውን ዝህውትት ዘሎ’ውን ይመስል።
  • ኢሳይያስ ከም ብጽቡቕ ማርሞ ዝተሰርሐ መቓብር ኮይኑ ክነብር’ዩ ዝደሊ። ኣብ ውሽጡ ግን ብመዓልቱ ዝግለጽ ክንደይ ናይ ሰባት ኣስከሬን ዝወሓጠ ዓቢ ጋህሲ’ዩ ኮይኑ ክጸንሕ።
Foto Ghebremedhin Werasi

ብዛዕባ ደራሲ

ገብረመድኅን ወራሲ ብዕለት 15 ነሓሰ 1939 (ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ኣባርዳእ (ሎጎጭዋ) ተወለደ። ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ብዝሓደሮ ሓያል ናይ ትምህርትን ፍልጠትን ባህጊ ንኢትዮጵያ ኸይዱ፡ ብትምህረተ ሃይማኖትን ቅኔን ብቛንቋ ግዕዝ ልዑል ደረጃ ብምብጻሕ፡ ልዑለ ቃል ዝብል ናይ ክብሪ ስም ረኸበ። ንኤርትራ ተመሊሱ ብትምህርቲ ሕጊ ብዲፕሎማ ድሕሪ ምምራቑ፡ ከም ሕጋዊ ጠበቓ ኽሰርሕ ጀመረ። በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኹነታትን ሃገራዊ ጻውዒትን ተደሪኹ፡ ኣብ መወዳእታ 1974 (ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ገድሊ ኤርትራ (ሕዝባዊ ሓይልታት) ተሰለፈ።

ብድሕሪ ኽንደይ ላዕልን ታሕትን ብ1980 (ዓ.ም.ፈ.) ንጀርመን ተሰድደ። ተራኺ ስነ ግጥሚ (2006)፡ መሰል ደቀንስትዮ ምእማን ፍትሒዶ ፍርሒ? (2010)፡ ንዝኣስር ንዘሕቅቕ ስርዓት ይግብኦዶ እልልታ ጣቕዒት? (ብናይ ብርዒ ስም፡ 2014) ዝኣመሰሉ መጽሓፍቲ ደሪሱ ንሕዝቢ ኣቕረበ። ንታሪኽን ንቛንቋን ዝምልከት’ውን ኣብ ምጽሓፍን ምድላውን እናሃለወ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ብዕለት 20 መጋቢት 2017 (ዓ.ም.ፈ.) ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈለየ። ዕለት 29 መጋቢት 2017 (ዓ.ም.ፈ.) ድማ ኣብ’ታ እተወልደላ ዘፍቅራ መሬት ዓደብኡ ብኽብሪ ሓመድ ኣዳም ለበሰ።

ርእይቶ ኣንበብታ

ብርዒ ደራሲ ጀለምታዊ ዋሕዚ ቐለማ፡ ካባና ብሞት ዕረፍቱ’ኳ እንተነጸፈት፡ ነቲ ልኡም ሕጥቦ ጽሑፍን ዘገርም ኣሰዃዅዓ ቓላቱን ብጽፈት ዝወቀረቶም፡ ነቲ እንርእዮ ግን ዘይነስተብህለሉ፡ ነቲ እንሰምዖ ግን ዘይነቕልበሉ፡ ነቲ እንፈልጦ ግን ዘይንደፍረሉ፡ ነቲ እንምነዮ ግን ዋጋ ዘይሃብናሉ፡ ነቲ ዘሕለፍናዮ ግን ዘይተማሃርናሉ ትእንግርቲ ዝኾነ ዛንታናን ዛንታ ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ንመጻኢ ትውልድናን ከይተረፈ፡ ኣጽኒዓን ደብቲራን ሰኒዳን ተሪኻን ነጊራን ደጒዓን ብምሕላፋ ሞሳ ይኹና! ˝ብመዓልቲ ፋሲካ ዝተሸጠት ባርያሲ ዅሉ ጊዜ ፋሲካ ይመስላ˝ ይብል ደራሲ። እዚ ማለት፡ ንግርህነትናን ደግነትናን ብኻልእ መልክዕ ይገልጽ። ስለ’ዚ ንሓርነትና ዋጋ ክንከፍለሉን ኣበርቲዕና ክንዓየሉን ይመክርን ይምዕድን። ኣዝዩ ዝነኣድ ኣባታዊ ምኽሩ ለጊሱልና’ሎ። ሰብ ብሰነድ እንስሳ ብገመድ ከም ዝተባህለ’ውን፡ እንሆ ድማ ንጣብ ካብ ዝኽሩን ሕሉፍ ሞይኡን ብዘይተጕላባ ንዓና ንሓዲሽ ወለዶ ተወፊልና’ዩ’ሞ … ሠናይ ንባብ!

መንእሰይ ሚኪኤለ ሙሴ

… ወድ ሰብ ምምጻእ ብርኃን ክፈልጥ ንሓደ ጊዜ ኣብ’ቲ ዓዲ ብርኃን እንተ ዝገይሽ፡ ክፈልጥ ዘይኮነስ ተመሊጡ’ዩ ኽተርፍ። እቲ ዘገርም፡ እዛ መጽሓፍ ንዓይ ምሂራትኒ፡ ኣንቂሓትኒ፡ ኣብክያትኒ፡ ኣደፋኒቓትኒ፡ ኣጨኒቓትኒ፡ ኣሕሚማትኒ …። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ዘይተበራበረ ርእሰይ፡ ርስሓትን ሕመቕን ዝኣከበ መሊጣ ድሕሪ ምጽራግ፡ እዚ ብዛዕባኣ ንኽጽሕፍ’ውን ኣብቂዓትኒ።

መንእሰይ ረፋድ ወድ ሃገር

መጽሓፍ ክትጠልቡ ወይ ሃናጺ ርእይቶኹም ክተካፍሉና እንተደሊኹም፡ ብመገዲ ኢ-መይል books@werasi.com ወይ ብፈይስቡክ http://www.facebook.com/​werasi​publication ተወከሱና።